Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ጉጅለ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዘዝተለኣኸን ብኣምባሳደር ክዋሜ ታፒዋ ሙዛዋዚ ዝምራሕን ጉጅለ ልኡኽ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

እቶም ልኡኻት፥ ሕሉፍ ታሪኽ 500 ዓመት ትኽክለኛ ኣፍሪካ ንኽምዝገብ ሕብረት ኣፍሪካ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ዝተሰናደአ “ኣፍሪካ ፋክት ቡክ” ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣበርኪቶምሎም።

ንኣጀንዳ 2063 ኣዚዩ ጠቓሚ ዝኾነ እቲ እኩብ ሓቂታት ዘሓዘ መፅሓፍ፥ ባህሊ፣ ታሪኽን ክብሪታትን ኣፍሪካ ንዓለም ዘፋልጥ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መፅሓፍ ብምብራካት ድማ ኢትዮጵያ ንናፅነት ኣፍሪካ ዝተፃወተቶ ዘይትካእ ግደን ኣብ ፓን ኣፍሪካዊነት ትገብሮ ቀፃላይ ሓገዝብ ብምንኣድ ኣፍልጦ ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.