Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ  ፕሮጀክት መገዲ ሞጆ-መቂ-ባቱ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ  ኣሕመድ ፕሮጀክት መገዲ ሞጆ-መቂ-ባቱ መሪቖም።

እቲ ፕሮጀክት 92 ኪሎ ሜትሮ ነውሓት ዘለዎ እንትኸውን፥ ካብ ሞጆ-መቂ 56 ነጥቢ 4 ኪሎ ሜትር፣ ካብ መቂ ባቱ ዘሎ ድማ  37 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ኢዩ።

ነቲ መገዲ ብድምሩ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ እውን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝግበር ምትእስሳር ሓደ ኣካል እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘለዋ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ልዑል ግህድ ክህልዎ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ ወደብ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣማራፂ ፍሪያት ወፃኢን ኣታዊን ኢትዮጵያ ብምስፋሕ ወደብ ለሙ ብዝግባእ ንክትጥቀም እቲ ፕሮጀክት ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ናይ ኣዲስ ኣበባ – ሞያሌ – ናይሮቢ – ሞምባሳ ከምኡ ውን 10 ሺህ ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ካብ ካይሮ ተበጊሱ ደቡብ ኣፍሪካ ኬፕታውን ዝበፅሕ ምትእስሳር መገዲ ሃይዌይ ትራንስ ኣፍሪካ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ።

ቀፃሊ ክፋል ህንፀት እቲ መገዲ ዝኾነ ህንፀት መገዲ ባቱ-ኣርሲ-ነገሌ-ሃዋሳ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

 

ብምስክር ስናፍቅ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.