Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተዛተዩ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቶም ኣባላት ልኡኽ፥ ነበር ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ጆኣኪም ቺሳኖ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ኪጋሌማ ሞትላንቴ ዝርከብዎም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣባላት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ እቶም ጉጅለ ልኡኻት ኩነታት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡዎም ብመንፈስ ኣፍሪካዊ ሕውነታዊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኦም ንኢዶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ከምኡውን ህወሓት ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ነዛ ሃገር ንምትርማስ ዝኸደሉ ርሕቐትን መንግስቲ ዘርኣዮ ትዕግስቲን ብዝምልከት ነቶም ልኡኻት ኣረዲኦም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዝጀመረ ኣብሪሆም።

እቲ ምኽባር ሕጊ ንፁሃን ዜጋታት ብዘይጎድእ መገዲ ብጥንቃቐ ይፍፀም ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ሰብኣዊ ደገፍ ዘተሓባብር ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ አውን ኣብሪሆም።

ከምኡውን ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንዝተሰደዱ ዜጋታት ተቐቢልካ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ኣርባዕተ መፅንሒ ቦታታት ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ተግራይ ሕጊ ዝተኸተለ ምምሕዳር ከምዝጣየሽ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዘዕነዎም መሰረተ ልምዓታት መንግስቲ ከምዝሃንፅ ኣፍሊጦም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀሞ ግፍዒ ዝተመልኦ ተግባር ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ከምዝቐርብ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ኣብሪሆም።

ንፈተውቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ብምቕራብ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ሲቪክ ማሕበራት፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣብቲ ክልል ብሕጋዊነት ምስ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካን ከምዝዛተዩ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.