Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተወከልቲ ኣባላት ዲያስፖራ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተወከልቲ ኣባላት ዲያስፖራ ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዓውዲ ንግዲ፣ ሙያ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ምስ ዝተወከሉ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካይዱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ብመሰረት ዝገበርሎም እንግዶት ኢዩ።

ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ትኹረት ብምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት መራሕቲ ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዘልዕልዎም ሕቶታት ግቡእ ኣቓልቦ ንክገብረሎም ዘኽእል ፃዕሪ ከምዝገበሩ እውን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ጆሃንስበርግ ብምርካብ ምስ ህዝቢ ንክራኸቡ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ ኣሎ።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.