Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ምዕራፍ ኳዕቲ ጉድጓድ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃፋ ቱሉሞዬ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ኣሩሲ ከባቢ ኢተያ ዝተጀመረ ቀዳማይ ምዕራፍ ኳዕቲ ጉድጓድ ህንፀት ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃፋ ከርሰ ምድሪ ቱሉሞዬ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት 150 ሜጋዋት ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ክልተ ምዕራፋት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቴክኒክ እቲ ፕሮጀክት ስጉርጉር ጌሪሰን ከምዝበልዎ፥ ኣብ ቱሉሞዬ ክሳብ 2 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ምፍልፋል ዘኽእል ዓቕሚ ሓይሊ ሃፋ ከረሰ ምድሪ ኣሎ።

ስለዝኾነ እቲ 150 ሜጋዋት ሓይሊ ንምርካብ 10 ዝተፈላለዩ ጎዳጉዲ ከምዝኳዓት ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ ሰለስተ ጎዳጉዲ ከምዝተኹዓቱ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.