Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ልምዓት ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብሪክስ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዝተሰናደአ ኣብ ዝተሰናደአ ሃገራት ብራዚል፣ ሩሲያ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ዘካተተ ዓለም ለኸ ልምዓት ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብሪክስ ፕላስ ተሳቲፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፎምዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ፥ “ከምዚ ዝበሉ መድረኻት ሓበራዊ ተግባር እንትውሰኾም፣ ከም ዓለም ለኸ ማሕበረብ ዝተቃለስናዮም ብዙሓት ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም” ኢሎም።

ምትሕብባር ሃገራት ብሪክስ፥ ብርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምኡ እውን ብማዕቐፋት ኢኮኖሚን ፖለቲካዊን ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣብቲ ኣኼባ ተሓቢሩ።

መራሕቲ ብሪክስ ምትሕብባሮም ብዝተፈ፤ላለዩ ዘፈራት ንምጥንኻር በቢእዋኑ ምርኃብ ከምዝግበኦምን ኣብ እዋናዊ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት እውን ናይ ባዕሎም መዕለቢ ምሃብ ከምዝግበኦም ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓሳብ ቀሪቡ።

ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሓንፀፀ ዘላቒ ሽቶ ልምዓት 2030 ንምዕዋት ሃገራት ሃፍተን ከዋድዳን ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዘለወንን ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲ ተሓቢሩ፡፡

መበል 14 ጉባኤ ሃገራት ብሪክስ ብፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ዝመርሑዎ እንትኾኑ፥ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ፣ ፕሬዚዳንት ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ ፣ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ከምዝተሳተፉን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ተጋባዚ ኮይኖም ተሳቲፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.