Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ስዒቡ ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ስዒቡ ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ሰብ ዋና ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ንኽንከውን ብምግባርኪ ኮሪዕና ኢና” ኢሎም።

ከምኡውን “ብተግባር ዝተርኣየ ልዕልነት እዚ ኢዩ!” ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.