Fana: At a Speed of Life!

በረኻን ልዑል ሕፅረት ማይን ዘለዎም ከባቢታት ምልማዕ ዘኽእሉ ቴክኖሎጂታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በረኻን ልዑል ሕፅረት ማይን ዘለዎም ከባቢታት ምልማዕ ዘኽእሉ ቴክኖሎጂታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምእታው ከይዲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምር ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣሕመዲን መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ልዑል ከባቢ ኣየር ሕቡራት ኢሚሬትስ ዓረብ ተዛቲዩ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ቀረባ እዋን ቆላማን በረኻታይን ዝኾኑ ከባቢታት ንምልማዕ ናይ ምኮራ ስራሕቲ ኣድላዪ ዝኾኑ ናውቲታት፣ ሰብ ሞያን መሳርሒታትን ናብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምእታው ከይዲ ክጅመር ኢዩ ክብላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣሕመዲን መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥  ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜቲዮሮሎጂ፣ በዓል መዚ ተፋሰስ፣ ማእኸል ምስትውዓል ሰብ ስራሕ፣  ኢንስቲቲዩት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ኢንፎርሜን መረብ ደሕንነት ኤጀንሲን ስፔስ ሳይንስ ኢንስቲቲዩትን ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.