Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድ ሸዋል ምኽንያት ብምግባር ዝተሰናደአ ዓውደ ምርኢትን ፌስቲቫልን ባህሊ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዒድ ሸዋል ምኽንያት ብምግባር ዝተሰናደአ ዓውደ ምርኢትን ፌስቲቫልን ባህሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሃረር ተኸፊቱ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምኽፋት እቲ ዓውደ ምርኢትን ፌስቲቫልን ባህሊ÷ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳን ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢትን ፌስቲቫልን ባህሊ ጎረባብቲ ክልላትን ጉጅለ ባህሊ ኣርጎባን ከምኡ እውን ማሕበራትን ትካላትን ኣፍረይቲ ገይፀመይፂን ናይ ባህሊ ክዳውንቲን ተሳቲፎም።

በዓል ዒድ ሸዋል ምኽንያት ብምግባር ዝተሰናደአ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢትን ፌስቲቫልን ባህሊ÷ ርክብ ብሄርን ብሄረሰባትን ዘጠናኽር ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ሓድጊን ክልል ሃረሪ ኣይተ ተወለዳ ኣብዶሽ ተዛሪቦም።

በዓል ዒድ ሸዋል ልፈጥር በዓል ዒድ ኣልፈጥር ካብ ዝተኸበረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልቲታት ምስተፆመ ካብ መበል ሻድሸይቲ ምሸት ጀሚሮ ክሳብ ንፅባሒቱ 10 ሰዓት ዝኽበር ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.