Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ብሓድነት፣ ክብሪታቱን ባህላዊ ህያባቱን ሓሊዩ ክኽበር ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ወናኒት ብዝሃ ቋንቋን ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል ኣደባባይ ዝኾነ በዓል ጥምቀት ብሓድነት፣ ክብሪታቱን ባህላዊ ህያባቱን ሓሊዩ ክኽበር ይግባእ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢንምጥንኻር ሰላም ብምሕላውን ልምዓት ብሓባር ንምስራሕን ዝዓለመ፤ ኣመራርሓታት ክፍለ ከተማ ጉለሌን ጎረባብቲ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ዝኾኑ ኣካኩ መነ ኣቢቹ ሱሉልታን ቡራዩ፣ ዝተፈላለዩ ኣቦታት እምነት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ነበርቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መደረ ዘስማዓ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ”ወናኒት ብዝሃ ቋንቋን ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ከተማና ዝኽበር በዓል ጥምቀት ብሓድነት፣ ክብሪታቱን ባህላዊ ህያባቱን ሓሊዩ ክኽበር ይግባእ” ኢለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምሕባእ ዝደልዩ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ህዝቢ ክፍተት ስለዘይህቦም ዕላመኦም ንምዕዋት ከምዘይሰመረሎም ዝገለፃ እተን ከንቲባ÷ ሎሚ እውን ከምትማሊ ንሰላም ብሓባር ጠጠው ምባል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.