Fana: At a Speed of Life!

ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ቀ/ሚ ኣቢይ ዘይተዛረቡዎ ዘረባ ከምዝተዛረቡዎ ገይሩ ንዝፈነዎ ፀብፃብ ይቅርታ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዘይተዛረቡዎ ዘረባ ከምዝተዛረቡዎ ገይሩ ብምፅራሕ ንዝፈነዎ ፀብፃብ ይቅርታ ሓቲቱ።

ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፁ ከምዝገለፆ፥ “ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝገበርናዮ ዝተሰሓሓተ ፀብፃብ ኣልዒልናዮ ኣለና”።

“እቲ ጉዳይ ብኸመይ ክፍጠር ከምዝኸኣለ እናገምገምና ንርከብ” ክብል እውን ኣፍሊጡ።

“ንዝተፈጠረ ስሕተት ድማ ካብ ልቢ ይቅቕሬታ ነሓትት” ኢሉ።

ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዘይተዛረቡዎ ዘረባ ከምዝተዛረቡዎ ብምፅራሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምፍናዉ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ ኢዩ።

መፃሪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፥ ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ቀዳማይ ሚኒስትር ብፅራሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፁ ዘመሓላለፎ ናይ ሓሶት ፅሑፍ ተሓታተቲ ክግበር ኢዩ ምባሊ እውን ተገሊፁ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ጠቂዑዎ ዝነበረ ሓበሬታ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት ከምዘጥፈኦ እውን ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.