Fana: At a Speed of Life!

ቢቢሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ምስ ሱዳንን ግብፅን ብምትሕሓዝ ተዛሪቦምዎ ኢዮም ኢሉ ንዘውፅኦ ፀብፃብ ይቕሬታ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢቢሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ምስ ሱዳንን ግብፅን ብምትሕሓዝ ተዛሪቦምዎ ኢዮም ኢሉ ንዘውፅኦ ፀብፃብ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ሰፊሕ ምላሽን መብርሂን ምሃቦም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ቢቢሲ “ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ሱዳንን ግብፅን ምልማን ሰልቺዩዋ ኢዩ” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝተዛረቡ ዝገልፅ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ፀብፃቡ ንንባብ ኣብቂዑ ነይሩ።

ይኹን እንበር ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዘረባ ዝተገለፀሉ ፀብፃብ ስሕተት ከምዝነበረ ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ንዝተፈጠረ ስሕተት ድማ ይቕሬታ ሓቲቱ፤ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ስሕተት ኣብ ኩሎም ጣቢያታት ከምዝተስተኻኸለ ኣዘኻኺሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.