Fana: At a Speed of Life!

ባህርዳር ከነማ ንኢትዮጵያ ቡና ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 23 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ባህርዳር ከነማ ንኢትዮጵያ ቡና 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።

ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብሸቶ ሞሃመድ ናስር መሪሓ ትንበር እምበር፤ ሃብታሙ ተከስተን ኣለልኝ ኣዘነን ብፀወታ ከምኡ እውን ያሬድ ባዬ ብፍፁም ቅላዕ ሸቶታ ኣመዝጊቦም ጋንታ ባህርዳር ከነማ 3 ን 1 ክትስዕር ክኢላ፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ባህርዳር ከነማ ናብ ንሕንሕ ፅዋዕ ክትምለስ ዝኸኣለት እንትትከውን÷ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ ኣርባዕተ ኣፅቢባ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.