Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሕሶት ሓበሬታ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዕጥቂ ኣባላት ሚልሻ ይምልከት ብዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናተጋወሐ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ‘ብዛዕባ ዕጥቂ ኣባላት ሚልሻ ይምልከት’ ብዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናተጋወሐ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ንኩለን ዘባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ዝተፃሕፈ ደብዳቤ ብምምሳል ዝወፅአ ሓበሬታ ፍፁም ሓሰት ከምዝኾነ እቲ ክልል ኣረጋጊፁ።

እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ንምጥዕናቓፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውዳድ እናምፅኡዎ ዝርከቡ ውፅኢት ኪሳራ ዘብፀሐሎም ሓይሊታ ኣብ ውሽጢ ሚልሻን ሕብረተሰቡ ምድንጋር ንምፍጣር ተሓሲቡ ዝተፈፀመ እኩይ ተግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.