Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንምምሕዳር ታክስ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ሓሙሽተ ዓመት ከምዝሓዘ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንምምሕዳር ታክስ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ሓሙሽተ ዓመት ከምዝሓዘ ገሊፁ።

ሚኒስቴር እቶትን ባንኪ ዓለምን ኣብ ኣተገባብራ እቲ ፕሮጀክት ዘቲዮም።

ሚኒስተር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ፥ ቤት ዕዮአን ኣብ 2022 ዓ.ም ዘበናዊ ምምሕዳር ታክስ ብምህናፅ ሃገራዊ ወፃኢ ብኣታዊ ታክስ ተሸፊኑ ናይ ምርኣይ ራእይ ብምሓዝ ይንቀሳቀስ ኣሎ ኢለን።

ነዚ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ከም ባንኪ ዓለም ምስ ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት ሓቢርካ ምስራሕ ግዙፍ ዓቕሚ ከምዝሃንፅ ተዛሪበን።

እቲ ብባንኪ ዓለም ተቐሪፁ ዘሎ ፕሮጀክት ብዕሊ እንትጅመር ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ኢዩ እውን ኢለን።

ተወካሊ ባንኪ ዓለም ራጁ ኣዋስቲህ ብግደኦም፥ መነገስቲ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ምምሕዳር ታክሲ ንምንጋስ ዝገብሮ ፃዕሪ ትካሎም በእወንታዊ ጎኑ ከምዝርእዮ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.