Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምንጋስ ዴሞክራሲ ቀዳማይ ኣጀንድኡ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ጉዳያት ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ክፍሊ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዩ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ዴሞክራሲ ምንጋስ ቀዳማይ ኣጀንድኡ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ፓርላማ ዴሞክራሲ ፓርላማ ዕላዊ ብምግባርን ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብትኽክለኛ መስመር ንምጉዓዝ ፃዕሪ ካብ ዝገብሩ ትካላት ዴሞክራሲ ብምዃን፣ ኢትዮጵያ ናብ ቅኑዕ ዴሞክራሲ ንምምፃእ ይሰርሕ ከምዘሎ ነቶም ኣባላት ኤምባሲ ኣረዲኡ።

በቢከባቢኡ ጎንፂ ዝውልዑ ናይ ፅልኣት ዘረባታት ብሕጊ ንክእገዱ ኣዋጅ ከምዘውፅአ እውን ኣዘኻኺሩ።

ብፍላይ ንባዕሉ “ዲጂታል ወያነ” እናበለ ዝፅውዕን ኣብዚ ሐዚ እዋን ህልውና እቲ ፓርቲ ብዕሊ ዝተሰረዘን ክንፊ በየነ መረብ ህወሓት፤ ኣብ መንጎ ብሄራት ፅልኢን ጎንፂን ይዘርእ ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ስማት ብምጥቃም ዘመሓላልፎም ሓበሬታታት ኩሎም ውጥን ኣንጃ ትህነግ እንበር ናይ ካሊእ ከምዘይነበረ ዶክተር ነገሪ ተዛሪቦም።

በዓል ሞያ ክፍሊ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነር ማክጉአይር ብግደኦም፥ መንግስቶም ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ካልኦት ምትሕብባራት ምስ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ መንፈስ ምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተዳለወ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.