Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ 22 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ከካይድ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ፅባሕ አኼቡኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ሓዊሱ ካልኦት ሓሙሽተ ኣጀንዳታት ክምልከት ኢዩ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ከምዘፅድቕን ናይ ቀፃሊ መፍትሒ ሓሳብ ንኽቐርብ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕን ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑድ ዓረብን ንኻልኣይ መፈፀሚ ፕሮግራም ሃገር ለኸ ቀረብ መስተ ማይ፣ ሳኒቴሽንን ሃይጂንን ዝተገበረ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ብምዝታይ ከምዘፅድቕ እውን ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ኤክስፖርት – ኢምፖርት ኮሪያ ንመጣየሺ ማእኸል ምርምር ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ፣ ምስ ፈንድ ልምዓት ስዑድ ዓረብ ንመመሓየሺን መዕበዪን ስራሕቲ መገዲ ደብረ ማርቆስ – ሞጣ፣ ምስ ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ከባቢታት ቆላ ዝተገበሩ ስምምዓት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ፥ ትራንዛክሽን ኤሌክትሮኒክ ንምድንጋግ ዝቐረበ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.