Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ሽዱሽተ ዛዕባታት ብምድሃብ ከምዝዛተ ኣፍሊጡ።

ቃለ ጉባኤ መበል ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ህፁፅ ኣኼባ መርሚሪ ከፅድቕ ኢዩ።

ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ብሓባር ኣብ ዘሳለጥዎ ስሩዕ ኣኼባ ዘቕረብኦ መኽፈቲ መደረ ብዝምልከት ዝቐረበ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከዳምፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣዋጅ ረቂቕ ሕጊ ንግዲ ፌዴሪኢ ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ እውን ተሓቢሩ።

ከምኡውን ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ፌዴሪኢን ሩሲያን ሓይሊ ኒውክለር ንሰለማዊ ዕላማ ንምውዓል ዝተገበረ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ።

ስነስርዓት ሕጊ ገበንን መረዳእታን ፌዴሪኢ ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.