Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ረቂቕ በጀት ዓመተ 2014 ልዕሊ 561 ቢሊየን ብር ንክኸውን ውሳነ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 97 ስሩዕ ኣኼብኡ ረቂቕ በጀት ዓመተ 2014  561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንክኸውን ውሳነ ሂቡ።

እቲ ረቂቕ በጀት መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሕግዝን ምስ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል 162 ቢሊየን ብር፣ ንካፒታል በጀት 183 ነጥቢ 5 ብር፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ብር፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 12 ቢሊየን ብር ብድምር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ውሳነ ሂቡ።

እቲ በጀት ምስ ናይ 2013 ዓ.ም እንትነፃፀር ናይ 18 ሚኢታዊ ወሰኽ ከመዘለዎ እወን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.