Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ሰነድ ፖሊሲ ሃገራዊ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ብምዝታይ፥ ኣህጉራውን ዞባውን ንግዳዊ ምትእስሳራት፣ ንቁጠባዊ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ኣገደስቲ ምዃኖም ገሊፁ።

ንግዳዊ ምትእስሳር ብቕልጡፍ እናሰፍሐን እናማዕበለን ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ንጡፍ ተሳታፊትን ተረባሕነትን ንኽተረጋግፅ  ዘኽእላ ኩነታት ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ አገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ ስርዓት ንግዲ ሰደድ ሃገርና ንምምሕያሽ፣ ስሕበት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢን፣ ንግዲ ሰደድን ንምዕባይ፤ ኣብቲ ዓውዲ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ስርዓት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ እዩ።

ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደባትን፣ ስሉጥ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስን ኣብ ቀንዲ ንግዳዊ መስመር ሃገርና፣ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባታት ንምጥያሽ ዘኽእል ፖሊሲ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ብምዃኑ፤ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ብተወሳኺ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ዲጂታል ታሴራ ኣብ ሃገርና ዘተኣማምን ስርዓት ዲጂታል ታሴራ ብምዝርጋሕ፤ ኣብ ሃገርና ብሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ዜጋታት ብግቡእ መንነቶም ንምፍላጥ ዘኽእል፤ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓውድታት ዝወሃብ ኣገልግሎት ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ፤ ስሩዕ፣ ዘተኣማምንን፣ ዘመናዊን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ዲጂታላዊ ስርዓት ታሴራ ንክህሉ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ምዃኑ ብምርግጋፅ፤ ኣብቲ ኣዋጅ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሓላሊፉ ንኽፀድቕ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.