Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኮይሻ የካይድ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሑዎ እቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእ እንትካየድ ንፈለማ እዋን ኢዩ ተባሂሉ።

ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ገምጋም ስራሕ ኩሎም ኣባላት ካቢኔ ይሳተፉ ኣለዉ።

ክሳብ ሕዚ ድማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ኮሚሽን ትልሚን ፕላንን፣ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ሚኒስቴር ገንዘብን ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።

እቶም ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ኣብቲ ትልሚ ዓመት ዘዐወቱዎም ተግባራትን ዘጋጠሙዎም ማሕለኻታትን ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ተወሳኺት ሳትላይት ናብ ህዋ ምሕምባብ፣ ክለሳ ፖሊሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምግባሩን ትካል ልምዓት ታለንትን ምጥያሽ ምኽኣሉ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኣብሪሁ ክብል ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.