Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሹመት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሹመት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ኢዩ ነቲ ሽመት ዘፅደቖ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረዝጊሔር ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊት ክላስተር ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን፣

2. ዶክተር ሰሎሞን ኪዳነ ብመዓርግ ሓላፊ ቢሮ፤ ሓላፊ ክትትል ከተማታት ትግራይ ኮይኖም ካብ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ተሸይሞም ኣለው።

ካብዚ ብተወሳኺ፥ ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ ቅድሚ ሕዚ ብዝነበሮም መዓርግ፤ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ በይነ መንግስታት ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለዉ።

ፍልፍል፦ TPLF

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.