Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ንበጀት ዓመት 2015 ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ንኽኸውን ኣፅዲቑ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት ስሩዕ ጉባኤ ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 3 ቢሊየን 405 ሚሊየን 105 ሺሕ ብር ንኽኸውን ኣፅዲቑ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ገንዘብን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ኣብዱልባሲጥ ኣቡበከር÷ ካብቲ ዝተትሓዘ በጀት 51 ሚኢታዊ ንካፒታል በጀት ከምኡ እውን 49 ሚኢታዊ ንስሩዕ በጀት ዝውዕል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ በጀት ብቀንዱ ኣብቲ ክልል ካብ ዝተፈላለዩ ኣታዊታት ካብ ዝእከብ ኣታዊን ካብ መንግስቲ ፌዴራል ብድጎማ ዝሽፈን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዝፀደቐ በጀት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 14 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ምግላፁ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.