Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ናብ ኣብያተ ህንፀት ዝኣትው ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ ን14 መዓልቲ ካብ ቫይረስ ኮሮና ነፃ ምዃኖም ዝረጋገፀሉ ቦታ ከምዝፈለየ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ናብ ኣብያተ ህንፀት ዝኣትው ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ ን14 መዓልቲ ካብ ቫይረስ ኮሮና ነፃ ምዃኖም ዝረጋገፀሉ ቦታ ከምዝፈለየ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ ናብ ቤት ህንፀት ንዝመፁ ተሃነፅቲ ሕጊ እዩ እቲ መፅንሒ ቦታ ኣዳልዮዎ።

ሓላፊ እቲ ቤትፅሕፈት ኮማንደር ወልዳይ ከምዝበልዎ፥ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ናብዚ ኩለን ኣብያተ ህንፀት ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኮሚቴ ኣጣይሸን እየን።

ማሕበረሰብ እተን ኣብያተ ህንፀት ዘድሊ ፅሬት ክገብሩ ምድላዋት ተወጊኖም ናብ ተግባር ከምዝኣተዉ እውን ገሊፆም።

ቅድሚ ግብረ ሓይሊ ኮሮና ጠየቅቲ ምስ ተሃነፅቲ ሕጊ ከይራከቡ ምውሳኑ ድማ እቲ ቤት ህንፀት ጠየቕቲ ምኽልካሉን ሕብረተሰብ እውን ከምዝተቐበሎን እቶም ኮማንደር ተዛሪቦም።

ኩለን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ንተሃነፅቲ ሕጊ መምሃሪ ክፍሊ ኣለወን ዝበሉ ኮማንደር ወልዳይ፥ እቲ ሕማም ንምክልኻል ብዝብል ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፀወ ገሊፆም።

ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ እንትመፁ ድማ ኣብቶም ነፃ መምሃሪ ክፍልታት ን14 መዓልቲ ክፀንሑ ተወሲኑ ናብ ተግባር ተኣትዮ ኢሎም።

እቶም ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ፥ ምልክት ሕማም እንተተራእይዎም እቲ ክልላዊ ግብረሓይሊ ናብ ዘዳለዎ መፅንሕን መመርመርን ቦታ ንምውስዳድ ከምዝተሓሰበ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ መዓልታዊ ሓበሬታ እተን ኣብያተ ህንፀት ናብ ክልል ከምዝለኣኽ እውን ኮማንደር ወልዳይ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.