Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን ንምርግጋእ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመፅአ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን ንምርግጋእ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ዕላዊ ገይሩ።

ገዛኢ እቲ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ 391 ዝኾኑ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ወይ እውን ኣብ ስራሕቲ ሓዋላ ዝተዋፈሩ ሰባት ባንኪ ሒሳቦም ከምዝተዓፀወ ተዛሪቦም።

ተሓባበርቲ ሓለፍቲ ባንኪን ሰራሕተኛታትን እውን እናተፃረየ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም ብምሕባር÷ ዘይሕጋዊ ሰባት ንዝሕብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ውዕለታ ዝኽፈለሉ መምርሒ ከምዝተሰናደአ ገሊፆም፡፡

ብባንኪ ካብ ዝተፈቐደ ንላዕሊ መጠን ገንዘብ ዝሕዙ ሰባት ንዝጥቁሙ ሰባት÷ ካብቲ ዝተትሓዘ ገንዘብ 15 ሚኢታዊ፣ ዝውውር ገንዘብ ወፃ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ንዝጥቁሙ 25 ሺሕ ብር ውዕለታ ከምዝኽፈሎም ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኮንተሮባንድ ወርቂ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ ዋጋ እቲ ወርቂ፣ ሕትመት ናይ ሕሶት ገንዘብ ንዝጥቁሙ 20 ሺሕ ብር ከምዝኽፈል እውን ገሊፆም።

ብፍራንኮ ቫሉታ ካብ ወፃኢ ኣቕሓዘምፅኡ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለዎም መጠን ዶላር ዘፍልጥ ናይ ባንኪ ስቴትመንት ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንምቕራብ ግቡእ ከምዝተነበረሎም ተሓቢሩ።

ብትእግስት ኣብርሃም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.