Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ንነበርቲ ሽረን ከባቢኡን ዝኸውን ሃናፂ ምግብታትን መድሓኒታትን ልኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ንነበርቲ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ዝኸውን 500 ኩንታል ሃናፂ ምግብታትን መድሓኒታትን ከምዝለኣኸ ገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ኣይተ ምትኩ ካሳ፥ እቲ ናውቲ ኣብቲ ከባቢ ፀገም ንዘጋጠሞም ሰባት ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ደገፍን ሓገዝን ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ሓገዝ ብፍላይ ኣብ ከተማ ንዝነብሩ ወገናትን ኣብ ከባቢ ገፀር ንዘለዉን ነበርቲ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦመረ።

ኣብዛ ሃገር ካልኦት ሓገዝ ንዝደሊዩወገናት ዝኸውን 20 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ካብ ወፃኢ ዓዲ ይኣቲ ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.