Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ወረዳ መስቃን ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ከምዝሓለፈ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣፉሊጡ።

እቲ ሓደጋ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 10 ከምዘጋጠመ ሓላፊ ክፍሊ ሚዲያ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ምክትል ኮማንደር ታጁ ነጋሽ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፆም፡፡

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቡታጅራ እናተጓዓዘት ዝነበረት ናይ ደረቕ ፅዕነት ተሽከርካሪት 7 ሰባት ምስ ዝፀዓነት “ባጃጅ” ብምግጫዋ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ሓሙሽተ ተጓዓዝቲ ሽዑ ንሽዑ ህይቶም ከምዝሓለፈን ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ተጓዓዝቲ ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ኣብሪሆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.