Fana: At a Speed of Life!

ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ፃዕሪ ምምፃእ ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ-ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበበ፣ 22 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ፃዕሪ ምምፃእ ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ተዛሪቦም።

ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪን መበል ብሓባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ሂቦም።

እቶም መራሕቲ፥ ሰብኣዊ መሰል ጠሚቱ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ብሓባር ኣብ ዘካይድዎ ኣኽባ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ ኢዮም ነዚ ዝበሉ።

እቲ ኣኼባ ብቀንዱ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ሰብኣዊ መሰልን ለውጢ ክሌማን ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ መግለፂኦም፥ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ፃዕሪ ምምፃእ ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድሊዮም ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ዝተጀመረ ስምምዕነት ሰላም ተፈፃምነቱ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ነዚ ድማ ብኽልቲኦም ወገናት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ዝተጀመረ ዘተ ተስፋ ዝህብ ኢዩ ኢሎም።

ሕገ መንገስታዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝግበር ናይ መንግስቲ ምቕያር ፈተነታት ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣፅንኦት ሂቦም።

ሙሳ ፋኪ ማሃመት ብግደኦም፥ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተጀመረ ስምምዕነት ሰላም ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.