Fana: At a Speed of Life!

ብመሰረት ስልሒት ሓበራዊ እቶት ፌዴራል ኣብ ዘሓለፉ 8 ኣዋርሕ ካብ ዝተኣከበ ልዕሊ ብር 14 ነጥቢ 4 ቢሊየን ንክልላት ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመሰረት ስልሒት ሓበራዊ እቶት ፌዴራል ኣብ ዘሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ሞንጎ ዝተኣከበ ልዕሊ ብር 14 ነጥቢ 4 ቢሊየን ንክልላት ተኸፋፊሉ።

ን22 ዓማውቲ እናገልገለ ዝነበረ ሓበራዊ መከፋፈሊ ስልሒት እቶት ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምምሕያሹ፥ ኣብ ዘሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ልዕሊ ብር 14 ነጥቢ 4 ቢሊየን ንክልላት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ፡፡

ካብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 10 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወይ ድማ 391 ነጥቢ 68 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኣታዊ ካብ ታክሲ ኤክሳይዝ፣ ተርን ኦቨር፣ ተወሳኺ እሴት ታክሲን ካብ ንግዲ ትርፊን ጥራሕ ዝተኣከበ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ሓበራዊ ብፅሒት ኣታዊ ብሰለስተ ምኽንያታት ከዓቢ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቀዳማይ ስልሒት ሓበራዊ መከፋፈሊ እቶት ስለዝተቐየረ ናይቲ ትካል እቶት ናይ ምእካብ ዓቕሚ እናዐበየ ብምምፅኡን እቲ ትካል ኣብ ዝተቐመጠሉ ናይ መከፋፈሊ ስልሒት መሰረት ብምግባር እቲ ምክፍፋል ብግቡእ ምስራሕ ብምኽኣሉ ዝተረኸበ ውፅኢት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብዘሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ናይ ፌዴራልን ክልልን ትካላት አከብቲ እቶትን መሓዙት ኣካላትን ኣሰራርሓ ስርዓት ብምኽታል ተዋዲድካ ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.