Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዕዉት ንኽኸውን ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንሚኒስትር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ብሪታኒያ ኣንድሪው ሚሸል ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም።

ኣብ ዘተኦም ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ኣብ ምትሕብባር ልምዓት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ምሕዝነት ከምዘለወን ዝሓሩ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተፈፃሚ ኣብ ምግባር ተግባራዊ እናኾኑ ዝርከቡ ስጉምቲታት ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ካሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንምርግጋፅ ብዘኽእል መልክዑ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ገበን ብምፍፃም ዝጥርጠሩ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ስርዓት ስግግር ፍትሒ ተዘርጊሑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብሪታኒያ ንኢትዮጵያ እናገበረቶ ንትርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ እቲ ተግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኲናትን ድርቂን ዝተጎድኡ ወገናት ብምሕጋዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ሚኒስትር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ብሪታኒያ ኣንድሪው ሚሸል ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል በወገን መንግስቲ ዝተወሰደ ስጉምቲን ዝተርኣየ ቆራፅነትን ሃገሮም ከምትንእድ ገሊፆም።

ሃገሮም እቲ ስምምዕነት ሰላም ዕዉት ንኽኸውን ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር እውን ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.