Fana: At a Speed of Life!

ብቕዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ፅርየት ንዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ወሳኒ ኢዩ-ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቕዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ፅርየት ንዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ወሳኒ ኢዩ ክብላ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ተዛሪበን።

ማሕበር ሕክምና ኢትዮጵያ መበል 59 ዓመታዊ ጉባኤኡን ዓለም ለኸ ዓውደ ርእይ ጥዕናን ተሳሊጡ።

ዶክተር ሊያ፥ እቲ ማሕበር ንስርዓት ጥዕና ብዙሕ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ ኢለን።

ብብርኪ ሃገር ዘሎ ስርዓት ጥዕና ንምጉልባት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይግበሩ ከምዘሎ ድማ ተዛሪበን።

ፍትሓዊነትን ፅርየትን ኣገለግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ሰርዓት ኣመራርሓን ፋይናንስ ጥዕናን መጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፀን።

ብቕዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ፅርየት ንዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ወሳኒ ኢዩ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.