Fana: At a Speed of Life!

ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለውወን ዘረጋገፃ ቁፅሪ ሃገራት ኣፍሪካ 27 በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሐዚ 27 ሃገራት ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለውወን ኣረጋጊፀን ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ።

ደቡብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ሕሱም ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዳ።

ኬንያ ድማ ዝኾኑ ዜጋታት ወፃኢ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣጊዳ ከምዘንበረት ተገሊፁ።

ኬንያ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀውን ዝኾነ ወፃእተኛ ገያሻይ ናብታ ሃገር ከይኣቱን ኣጊዳ ኣላ።

ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ዜጋታታ ን14 መዓልታት ንበይኖም ክዕቆቡ ኣዊጃ ኣላ።

ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ዓበይቲ ዝበሃሉ ክለባት፣ ማእኸላት ስፖርትን ስልጠናን ይዕፀዉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስርሖም ኣብ ገዛ ኾይኖም ክሰርሑ ተኣዊጁ ኣሎ።

ቤኒን፣ ላይቤሪያ፣ ሶማልያን ታንዛንያን ብበዝሒ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታተን ከም ዘለውወን ዘፍለጣ እየን።

ሞሮኮ 28 ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተትሓዙ ምስ ኣረጋገፀት፥ ሃማምስ ዝበሃል ህዝባዊ መሕፀቢ ማያት ዓፅያ።

ካፌታትን ኣብያተ ምግቢ፣ ሲነማ ከምኡ’ውን መስጊዳት እውን ከምዝዓፀወት ተገሊፁ።

ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪካ ዛጊድ 350 ሰባት መርመራ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ በቲ ሕማም 7 ሰባት እንትሞቱ 42 ድማ ድሒኖም ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብሪሁ።

መብዛሕተኦም ግዳያት ምስ ካብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ዝመፅኡ ሰባት ዝተተናኸፉ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ናብ 62 ብምባሉ፥ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ስሪል ራምፎሳ ኮሮናቫይረስ “ሃገራዊ ሓደጋ” ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰንበት ምእዋጆም ይዝከር።

ጉዳያት እቲ ሕማም ብዝምልከት ንዝግበር ምንቅስቓስ ዝመርሕን ነቲ ሕማም ንምክልኻልን ዓሊሙ ቤት ምኽሪ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ በቶም ፕሬዚዳንት ከምዝምራሕ እወን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ 35 መእተዊ በርታት (ዶባት) እታ ዓዲ ክዕፀዉ፣ ካብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሓዊሱ ካብ 8 ሃገራት ዝግበሩ ጉዕዞታት ክእገዱ ተወሲኑ።

ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐሱ ብምግዳብ፥ ክሳብ ፋሲካ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀዋ ትእዛዝ ከምዝተሓላለፈ እውን ተሓቢሩ።

ካብ 100 ንላዕሊ ሰባት ዝርከብሉ ዝኾነ ህዝባዊ ዋዕላታት ድማ ኣይክሳለጥን።

ብመሰረት እዚ ደቡብ ኣፍሪካ ድሕሪ ዓርሳ ካብ መግዛእቲ ፀዓዱ ሓራ እተውፅእ፥ ከምዚ ዓይነት እገዳታት ክተንብር ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።

ጋና ዝኾነ ህዝባዊ ዋዕላ ከይካየድ እንትእግድ ካብ 200 ሃገራት ዝመፅኡ ገያሾ ናብ ዓዳ ከይኣትዉ ኣጊዳ።

ፅወታት ኩዕሶ እግሪ ድማ ተሰሪዞም።

ቱኒዝያ ብተመሳሳሊ ኩሎም ዶባትን መስጊዳትን ዓፅያ ኣላ።

ኣልጀርያ ብግደኣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ ዝግበሩ ጉዕዞታት ይኹኑ ካብ ሃገራ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ ዝግበሩ መገሻታት ኣጊዳ ኣላ።

ሞዛምቢክ፥ ህዝባዊ ኣኼባታት ክስረዙ ብምግባር ተመሳሰሊ እገዳታትን ከምዘንበረት ተገሊፁ።

ሞሮኮን ጅቡትን’ውን ኩሎም ዓለም ለኻዊ በረራታት ሰሪዘን።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.