Fana: At a Speed of Life!

ብኹሉ ዓውዲ ንምምዕባል እንተተደሊዩ ኣብ ምዝማን ዘፈር ትራንስፖርት ትኹረት ክወሃብ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኹሉ ዓውዲ ንምምዕባል እንተተደሊዩ ኣብ ምዝማን ዘፈር ትራንስፖርት ትኹረት ክወሃብ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ እዚ ዝበሉ፥ ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘፈር ትራንስፖርት ኣመልኪቱ ልዝብ እናተገበረሉ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዘፈራት ኣግሮ ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ውፅታዊ ንምግባር ዓውዲ ትራንስፖርት ምዝማን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መደረኦም፥ ኣብ ተግባራዊነትን ውፅታዊነትን እቲ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ድማ ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልላት ዘለዉ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዕቱብ ክሰርሁ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ተምሳሌት ኣፍሪካ ንኽኸውን ንምግባር መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ፈተናታት ብብልሒ ንምስጋር ሓድነት ምጥንኻር ይግባእ ድማ ኢሎም ኣይተ ደመቀ መኮንን።

ኣይተ ደመቀ ኢትጵያዊ ሓድነት ብምጥንኻር ክብርቲን ሕፍቲን ሃገር ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ገሊፆም።

በውይይት መድረኩ ሚኒስትሮች የክልል ከፍተኛ የስራ ሃላፊዎች ባለድርሻ አካላት እየተሳተፉ ነው።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.