Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዛዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 448 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዛዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 448 ሺሕን 550 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተታሓዘ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ቢራ ብምፅዓን መበገሲኣ ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ብርሃን ዝገበረት ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3-26981 ኢት ተሰሓቢት ናይ ፅዕነት መኪና፥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ በፅሐት ናብ ከተማ ሃረረ እናቕነዐት እናሃለወት ኣብ ቃሊቲ ኬላ ብዝተገበረላ ፍተሸ ኣሽከርካሪ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናጓዓዞ ምስ ሞንጎ ዝነበረ 448 ሺሕን 550 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ብገበን ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ኣሽከርካሪ ምስ ዶላሩ ናብ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.