Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ሓረስቶት ተወሲዱ ዝነበረ 460 ሺሕ ካሬ ሚትሮ ቦታ ነቶም ሓረስቶት ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ሓረስቶት ተወሲዱ ዝነበረ 460 ሺሕ ካሬ ሚትሮ ቦታ ነቶም ሓረስቶት ንኽምለስ ከምተገበረ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ገባራት ዝተወሰደ መሬት ሃገራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ብዝገበሩዎ ምፅራይ ተመላሲ ክኸውን ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቶም ቦታታት መሊሶም ዝተረከቡ ሓረስቶት ተታሊሎም ቦተኦም ክውሰዶም ከምዝኸኣለ ብምግላፅ መሬቶም መሊሶም ክረኽቡ ብምኽኣሎም ምስጋና ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ሓረስቶት ኣብቶም ቦታታት ናይ ከተማ ግብርና ንኽሰርሑሎም ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን እውን ብዘይሕጋዊ መደጊ ዝተወሰደ መሬት እንተሃሊዩ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝግበርን ንሓረስቶት ተመላሲ ከምዝግበርን እቶም ምክትል ከንቲባ ተዛሪቦም።

ሓረስቶት ብኸምዙይ ዓይነት ተግባራት ከይታለሉ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.