Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምዝገባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ምዝገባ ተጀሚሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘተ ብምግባር ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዑደት ስራሕ ምግባሮም ይዝከር።

ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ምሕላው መሰል ዜጋታት ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ንመንግስቲ እታ ሃገር ዘቕረቡ እነትኾኑ፥ እቲ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ።

ካብ መነጎ እቶም ዝቐረቡ እቶታት፥ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ኢትጵያውያን ናይ መንበሪ ፍቓዶም ንኽመዓራረየሎም ዝብል ሓደ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ኣብቲ እዋን ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ስምምዕነት ንምፍፃም ዓሊሙ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምዝገባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣቡዳቢን ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄኔራል ዱባይን ከምዝተጀመረ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ምዝገባ ክሳብ 13 መጋቢት 2012 ዓ.ም ከምዝፀንሕ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.