Fana: At a Speed of Life!

ብጉጅለ ኢንሸቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፣ ጃክ ማን ኣሊባባን ዝከፋፈል ናውቲ ሕክምና ካርቱም ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ኮቪድ19 ኣብ ኣፍሪካ ንምክልኻል ዓሊሙ ብዝተጣየሸ ጉጅለ ኢንሸቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ቻይናዊ በዓል ሃፍቲ ጃክ ማን ዝከፋፈል ቀዳማይ ዙር ድጋፍ ናውቲ ሕክምና ትማሊ ንካርቱም ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

እቲ ናውቲ ሕክምና ዝፀዓነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም እንትትበፅሕ፥ ኣብ ሱዳን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ሽፈራው ጃርሶ እቲ ኣቑሑ ንሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ዶ/ር ኣክራም ኣቶም ኣረኪበሙዎም።

እቶም ሚኒስትር ጥዕና፥ ነቲ ዝተገበረ ድጋፍ ብስም መንግስትን ህዝብን ሱዳን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ኣብ እዋን ሰነ-ስርዓር ርኽክብ አመስጊኖም።

ኣምባሳደር ሽፈራው ጃርሶ ብግደኦም፥ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝተወሰደ ተበግሶ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ሱዳንን ካልኦት ህዝብታት ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ፈታኒ እዋን መፍትሒ ኣብ ምትእልላሽ ዘለዎም ቁርፀኝነት ዘረጋገፅሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ናውቲ ሕክምና፥ መምርሒ ምክልኻል ቫይረስኮሮና፣ ኣፍ ዝሽፈነሉ “ማስክ”ን ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ምንኽኻእ እቲ ቫይረስ ንኽከላኸሉ ዝሕግዝ ኣልባሳትን ዝሓዘ ኢዩ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ንኤርትራ፣ ጅቡቲን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ከምዝባፃሕ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.