Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ሕጋዊ ምዝገበኦም ዝአዛዘሙ ፓርቲታት ፖለቲካ ምልክት መረፃ ንኸእትዉ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ሕጋዊ ምዝገበኦም ዝአዛዘሙ ፓርቲታት ፖለቲካ ምልክት መረፃ ካብ 13 ክሳብ 18 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘለዋ መዓልቲታት ንኸእትዉ ፀዊዑ።

መረፃ ምልክት መረፃ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ከምዝትግበር ኣብሪሁ፤

  1. ቦርድ መረፃ ንምልክት መረፃ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ምልክታት ዘዳለወ እንትኸውን፥ ተወከልቲ ፓርቲታት ድማ ካብቶም ዝተዳለዉ ምልክታት ይውክለኒ ኢዩ ዝብሉዎ ይመርፁ።
  2. ዝመረፁዎ ምልክት ብፓርቶም ከምዝተትሓዘ የመዝግቡ፤ ሓደ ፓርቲ ዘመዝገቦ ምልክት ካብ ዝምረፁ ምልክታት ዝርዝር ክወፅእ ይግበር።
  3. እቲ ቦርድ ካብ ውሽጢ እቶም ዝተዳለዉ ምልክታት ዝደልዩዎ ምልክት እንተዘይረኺቦም ወይ ድማ ናይ ባዕሎም ምልክት ከመዝግቡ ዝደልዩ ፓርቲታት እዞም ዝስዕቡ ነገራት ከማልኡ ኣለዎም።

– ምልክት ኣሐቲሞም ንምምዝጋብ ሒዞም ክመፅኡ ኣለዎም።

– ዲጂታል ፎርማት ምልክቶም ብፍላሽ ከቕርቡ ኣለዎም።

– ምልክቶም ብፃዕዳን ፀሊምን ቀለም ዝተዳለወ ክኸውን ኣለዎ።

– ምልክቶም 2 ሴሜ ብ 2 ሴንቲ ሜትሮ ክኸውን ኣለዎ

– መጠን ፅሬቱ ካብ 200 ክሳብ 300 ፒክስል ክኸውን ኣለዎ

– መጠን እቲ ፋይል እንተበዝሐ ካብ 200 ኪሎ ባይት ክበልፅ የብሉን

  1. መረፃ ምልክት ምርጫ ካብ 13 ክሳብ 18 ጥሪ ዝትግበር እንትኸውን፥ እቲ ቦርድ ካብ 18 ክሳብ 24 ጥሪ ኣብ ዘሎ እዋን ናይ ምፅራይን ምውሳንን ተግባራት ክሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።
  2. ካብ 13 ክሳብ 18 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ፊት ንፊት ቤት ሕትመት ቦሌ ህንፃ የሺ 7ይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ፓርቲታት ፖለቲካ ዝሳለጥ ከምዝኾነ እቲ ቦርድ ገሊፁ።
  3. እዚ ምልክት መረፃ ናይ ውልቀ ሕፁያት ዘየካትት እንትኸውን፣ ናይ ውልቀ ሕፁያት ምልክቶም ዝመርፁሉ መገዲ ኣብ ቀፃሊ ከምዝግለፅ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.