Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ዝርከበሉ ብርኪ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣጎብኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ዝርከበሉ ብርኪ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣጎብኒዩ።

እቲ ቦርድ ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝገለፆ፥ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ 50 ሚሊየን ዝኾኑ መረፅቲ ድምፂ ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

50 ሺሕን 900 ጣቢጣታት መረፃ ከምዝተዳለዉ እውን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ንመረፅቲ ምዝገባ ዘካይዱ 152 ሺሕ 700 ኣፈፅቲን ኣብ እዋን መረፃ ዘፈፅሙ 254 ሺሕ 500 ሰባት ድሉዋት ከምዝኾኑን ኣብሪሁ።

ኣብቲ እዋን ዑደት፥ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ዝተሰናድኡ መዝገባት መረፅቲ፣ ንኣፈፀምቲ መረፃ ዝውዕሉ ኣቑሑት ዘለዉዎ ሰማያዊ ሳጥን፣ መሐለዊ ድሕንነት ቁልፊን ካልኦት ኣቑሑትን ተራእዮም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.