Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ሓላፍነቱን ግዴታኡን ከምዝዋፃእ ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ፌዴሪኢ ሓላፍነቱን ግዴታኡን ከምዝዋፃእን ይዋፃእ ከምዘሎን ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳ ኣፍሊጠን።

እተን ኣካቢት ንኣመራርሓታት ፓርቲታት፣ ሕፁያት ተወዳደርቲ ፓርቲታትን ብውልቆም ንዝወዳደሩን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን፥ ኣብ ቅድሚት ዘሎ መገዲ ብኽፋል ተስፋ፣ ብኽፋል ድማ ስግኣት ሓዚሉ ከምዝፅበዮም ኣብሪሀን።

ይኹን እንበር እቲ ስግኣት ንምቕናስን ናብ ፀጋ ንምቕያርን ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ኢድ ሕድሕድና ኣሎ ኢለን።

ሲቪል ማሕበራት ሓናቒ ይበሃል ካብዝነበረ ሕጊ ምውፀአን ብምግላፅ፥ ዜጋትት ብዛዕባ ሓቃዊ ምርጫ ንክፈልጡ ኣብ ምግባር ግደአን ክፃወታ ብዘኽእል መገዲ ከምዝተወደባ ተዛሪበን።

ተዓዘብቲ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብቲ ምርጫ ንምርካብ ካብ መንግስቲ እንግዶት በፂሑዎም ምሳና ናይቲ ከይዲ ኣካል ንምዃን ይዳለዉ ዛለዉ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.