Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ካብ ዘቐመጦ ኣንፈት ወፃእ ኣኼባታት ኣይካየዱን-ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ካብ ዘቐመጦ ኣንፈት ወፃእ ኣኼባታት ከምዘይካየዱ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ፓርቲ ዘዳለዎ ሳልሳይ ዙር ስልጠና ታሕተዎት ኣመራርሓ ብምኽኒያት ሕማም ቫይረስኮሮና ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይፍፀም ዘሎ ኢሎም።

እቲ ስልጠና ኣብ ዝተጀመረሎም ከባቢታት ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት፥ ርሕቐት ሰልጠንቲ ሓሊዩን መዓልታት ብምቕናስን ይሳለጥ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ኣብ ውሱናት ከባቢታት ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ሰልጣኒ ብዘሳተፈ መገዲ ኣኼባታት ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ኩነታት ቫይረስኮሮና ንምግፋሕ ዘለዎ ዕድል ኣብ ግምት ብምእታው እርማት ከምዝተገበረሉ ሓቢሮም።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ኩነታት ንናይ ባዕልቶም ፖለቲካ ክብሉ ክጥቀሙሉ ዝደለዩ ኣካላት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ድሕረ ሐዚ ዝካየዱ ኣኼባታት ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ከምዝፍፀሙ ዝገለፁ ኣይተ ኣወል፥ ካብዚ ወፃእ ዝኾነ ተግባር አንተጋጥም አርማት ከምዝግበር ሓቢሮም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.