Fana: At a Speed of Life!

ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድሕሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተመዲቦም ትምህርቶም ክጅምሩ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድሕሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተመዲቦም ትምህርቶም ክጅምሩ ከምዝግበር ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደ ማሪያም ትማሊ ኣብ ዘሃበኦ መግለፂ፥ ትካላት መካሓሓሲ ትምህርቲ ዘበነ ትምህርቲ 2012 ንመሃብ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ኣወሃህባ ትምህርቲ ክሳብ ኣቀባብላ ተምሃሮ ዘድሃቡ ዝተፈላለዩ መርሃግብሪታት ከምዝተሰናድኡ ገሊፀን።

ኣወሃህባ ትምህርቲ ብዝምልከት ሰሙን ሙሉእ ክሳብ ምሸት ከምዝወሃብ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ካብ ራብዓይ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉን ተመረቕቲን ተምሃሮ ቀዲሞም ንኸኣትዉን ትምህርቶም ብኦንላይንን ገፅንገፅን ተጠናኺሩ ክወሃቦም ኢዩ ኢለን።

ቀዲሞም ዝኣተዉ ተምሃሮ መርሃ ግብሮም ምስ ዛዘሙ ካብ ሳልሳይ ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ተምሃሮ ብተመሳሳሊ መገዲ ትምህርቶም ንኽከታተሉ ከምዝግብር ፕሮፌሰር ሂሩት ኣብሪሀን።

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ስነስርዓት ምሃብ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ተግባራዊ ዝግበር ብሚኒስር ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን ቫይረስ ኮሮና ስግኣቱ ከምዝነከየ እንትረጋገፅ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።

እተን ሚኒስትር፥ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ንምጅማርን ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስን እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝግበር ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.