Fana: At a Speed of Life!

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ናብ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፓስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ-መንግስቲ” ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ናብ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፓስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ-መንግስቲ” ብምፅምባር ክታሞም ኣንቢሮም።

ሓቃዊነት ኢትዮጵያ ንመላእ ዓለም ንምፍላጥ ዕላማ ዝገበረ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፓስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ-መንግስቲ” ከምዝተጀመረ ይፍለጥ።

ዕላማ እቲ ወፍሪ ጉዳይ ሃገር ስለዝኾነ፥ ኣብቲ ወፍሪ ብምስታፍ ግቡእና ንምውፃእ ከምዝተዳለዉ ኣመራርሓታት ዝተፈላለዩ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ብዝተወሰኑ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዛበዐን ዝተሰሓሓተን ሓበሬታ እናጋውሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እቲ ዝተዋደደ ወፍሪ ብሓባር ምምካት ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣመራርሓታት፥ ናብ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፓስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ-መንግስቲ” ምፅምባሮም ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም፥ ኣይተ ማሙሸት ኣማረ፣ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ፣ ኣይተ ሙሳ ኣደምን ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ዶክተር ራሄል ባፌ ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

መርሃ ግብሪ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፓስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ-መንግስቲ”፥ ክሳብ 15 መስከረም 2014 ዓ.ም ክቕፅል ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.