Fana: At a Speed of Life!

ተኸቢርና እንፍራሕ ሓደ እንትንኸውን ጥራሕ ኢዩ-ምክትል ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነሽ ኣበቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መድረኽ ምንቕናቕ ዓመታዊ ጉባኤ አድራት ከተማ ኣዲስ ኣበባ “እድራት ንሰላምን ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ቃል ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነሽ ኣበቤ፥ ተኸቢርና እንፍራሕ ሓደ እንትንኸውን ጥራሕ ኢዩ ኢለን።

ኣብታ ከተማ ዝርከባ እድራት መርኣያ ሓድነት፣ ምክብባርን ምትሕብባርን ብምዃነን ዝግበሩ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መስተጋብር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ተዛሪበን።

እተን እድራት ዘርኢ፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋን ብሄርን እንተይፈላለያ ካብ ቀደም ጀሚረን ናይ ሓደ ሓዘን ብምክፋል ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዝገጥሙና ሸኽምታት ኣብ ምቅላል ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪተን ኢየን እውን ኢለን።

ኣብ ከባቢያዊ ፅርየትን ሰላምን፣ ንህንፀት ህዳሰ ግድብን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ደገፍ ይገብራ ካብ ዝነበራ ትካላት ተረቋሕቲ ከምዝኾና ድማ እተን ምክትል ከንቲባ ኣረዲአን ክብል ካብ ፕሬስ ሴክሬተሪያል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.