Fana: At a Speed of Life!

ተወሰኽቲ 74 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 8ይ ዙር ካብ ሊባኖስ ናብ ኢትዮጲያ ንምምላስ እናጸፀበዩ ዝነበሩ 74 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ኣቲዮም።

ናይ ትራንስፖርት ወፃኢኦም ባዕሎም ብምሽፋን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ተመዝጊቦም እናተፀበዩ ዝነበሩ ዜጋታት ኢዮም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ዘለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ፣ ፍቓድ መንበሪ ዘይነበሮም፣ ብመስራሕቶም በደል በፂሑዎም ሓገዝ እናተገበረሎም ዝነበሩ ከምኡ እውን ክትትል ሕክምና እናተገበረላ ዝነበረ ኢትዮጰያዊጥ ሓዊሱ ብድምር 329 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኢዮም።

ብተወሳኺ ሎሚ መዓልቲ ምሸትን ኣብ ዝቐፅሉ መዓልቲታትን 81 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.