Fana: At a Speed of Life!

ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣዘነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ባህርዳር ከተማን ኣለልኝ ኣዘነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ባህርዳር ከተማ ከምዝሓበሮ፤ ኣለልኝ ብጉድኣት ምኽንያት ካብታ ጋንታ ተፈልዩ ናብ ትውልዲ ቦቱኡ ኣርባ ምንጭ ንዕረፍቲ ዝኸደ እንትኸውን ትማሊ ምሸት ሃንደበት ህይወቱ ሓሊፉ።

ኣለልኝ ኣዘነ ናይ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ኣብ ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ ዝጀመረ እንትኸውን÷ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ንክልተ ዓመታት ፅቡቕ ጊዜ ከሕልፍ ክኢሉ።

ኣለልኝ ኣዘነ ቅድሚ ኣዋርሕ መርዓ ብምፍፃም ህይወት ሓዳር እናመርሐ ነይሩ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሕልፈት እቲ ተፃዋታይ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ፤ ንስድርኡ ኣድነቕቱን ከምኡ እውን ንመላእ ቤተሰብ ኩዐሾ እግሪ ፅንዓት ይምነ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.