Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪን ግብፂን ላሕሊሑ ዝፀንሐ ርክበን ከሕድሳ ኢየን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪን ግብፂን ላሕሊሑ ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምሕዳስ ከምዝተስማዕመዓ ተገሊፁ።

እተን ሃገራ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ምሰካየዳ እተን ሃገራት ነናይ ባዕለን ኣምባሳደር ከምዝሾማ እውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ እውን ሎሚ መዓልቲ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ዘንፀባርቕ መግለፂ ኣውፅአን።

ብመሰረት እዚ ቱርኪ ሳሊህ ሙትሉ ሴን ኣብ ግብፂ ኣምባሳደር እታ ሃሀገር ኮይኖም ንኽሰርሑ ዝሾመት እንትትከውን፥ ግብፂ ብግደኣ ኣምር ኤልሃማሚ ኣምባሳደር ግብፂ ኣብ ቱርኪ ንኽኾኑ ብኣምባሳደርነት ምሻማ ኣፍሊጣ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.