Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኽቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ናይ ምውፋር ድሌት ኣለዋ – ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኽቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያፕራቅ አልፕ ገሊፀን።

ቱርኪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናፍሰሰቶ ትርከብ መዋእለ ንዋይ 2 ነጥቢ 5 ቢሊይ ዶላር ከምዝበፅሕ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትጵያ ኣብ ዓውዲታት ዓለባን ካልኦትን ዝተዋፈሩ እንትኾኑ፥ ካብ ቻይናውያን ቀፂሎም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዖም ኣለዉ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዕላዊ ዑደት ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ቱርኪ ከቕንዑ ኢዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኸ ጉዳያትን ኣድሂቦም ክዝትዩ ኢዮመ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መሪቖም ክኸፍቱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.