Fana: At a Speed of Life!

ትልሚ ልምዓት “ፍኖተ ምዕባለ” ዓሰርተ ዓመት ንምዕዋት ግደ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዕዙዝ ኢዩ – ዶ/ር ፍጹም አሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ትልሚ ልምዓት “ፍኖተ ምዕባለ” ዓሰርተ ዓመት ንምዕዋት ግደ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዕዙዝ ከምዝኾነ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ፕላንን ትልሚን ኣብ ዝቕፅሉ 1 ዓመታት ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዘንበረቶ ትልሚ ኣመልኪቱ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተዛቲዩ።

ካብ 2013 ዓ.ም 2022 ዓ.ም ዝሳለጥ ትልሚ ልምዓት “ፍኖተ ምዕባለ” ዓሰርተ ዓመት ተሰናዲኡ ኢዩ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ፥ ቅድም ክብሉ ዝተሰርሑ ኣፈፃፅማ ልምዓታት፣ እዋናዊ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ኣብ ቀፃሊ ዝትግበሩ ትልሚታት ልምዓትን ኣድላይነቶም ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ኣብ መብርሂአን ድማ ቅድሚ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ዓሰርተ ዓመታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ተዛሪበን።

ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ማኑፈክቸሪንግ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኮንስትራክሽንን ኣገልግሎትን ዝተመዝገበ ዓወት፣ ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ናይ ቀፃሊ ኣንፈትን እውን መበገሲ ፅሑፍ ኣቕሪበን።

ቅድሚ 2013 ዓ.ም ኣብ ዓውዲታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ካልኦትን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ክምዝገብ ክኢሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ይኹ እምበር ዝሑል ፍርያታውነት፣ ዝተዳኸመ ዕቤት ምዳበ ኢኮኖሚ፣ ፅዕንቶ ዕዳ፣ ዝቕባበ ዋጋ፣ ትሑት ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ፣ ማሕለኻታት ሕጊን ፖሊሲን ኢትዮጵያ ትደልዮ ዕቤት ከይተመዝግብ ዕንቅፋት ፈጢሮምላ ከመዝነበሩ ኣብሪሀን።

ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ክፍተታት ውዳበን ምዝሕሓል ክፍላተ ኢኮኖሚን ንምስትኅኻል ድማ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝተበረ ኣገንዚበን።

ትልሚ ልምዓት “ፍኖተ ምዕባለ” ዓሰርተ ዓመት ንምዕዋት ግደ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈፀምቲ ኣካላት ብምቁፅፃርን ብምግምጋምን ዝህልዎም ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ስራሕቲ ክትትል እቲ ባይቶ ተጠናኺሩ ኣፈፃሚ ኣካል ሓላፍነቱ ብግቡእ ክዋፃእ እንተተገይሩ እቲ ሽቶ ልምዓት ከምዝዕወት ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.