Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ።

ትማሊ ኣጋ ምሸት ሰዓት 11፡26 ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 6 ኣብ ከባቢ ኣደይ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሆቴላትን ሓደ ፔንሲዮንን ጉድኣት በፂሑዎም።

ምሸት ሰዓት 12:20 ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋሰ ስልክ ላፍቶ ወረዳ ሓደ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ባጃጅ ብዘጋጠመ ሓደጋ እታባጃጅ ሙሉእ ብሙሉእ ተቓፂላ።

ምሸት ሰዓት 3:05 ላይ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ 5 ዘነበ ወርቅ ባጃጅ ተራ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዝተፈላለዩ ሹቓት ተቓፂሎም።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር 13 ተሸከርከርቲ መቆፃፀሪ ሓደጋ፣ ክልተ ኣምቡላንሳትን 78 ሰራተኛታት እዋን ሓደጋን ዝተዋፈሩ እንትኾኑ፥ እቶም ሓደጋታት ተስፋሕፊሖም ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሕ ክገብሩ ክኢሎም።

ሰለስቲኦም ሓደጋታት ንምቁፅፃር ሓሙሽተ ሰዓት ከምዝወሰደን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ምቁፅፃር ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣዲስ ኣበባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.